ዛንታ ሓርማዝን ነብሪን ወዲ ነብሪን
Land: Eritrea
Kategorie: Fabel/Tiermärchen
ሓደ ግዜ ሓደ ነብሪ ምስ ወዱ ንበይኖም ይነብሩ ነበሩ። እቲ ነብሪ ንወዱ ንበይኑ ገዲፉዎ ክሃድን ከደ። ወዲ ሓርማዝ
ዲማ ነቲ ወዲ ነብሪ ረኸቦ፣ ብእግሩ ረጊጹ ድማ ቀተሎ። ነቲ ነብሪ ድማ ከርድእዎ መጹ፣ ወድኻ ሞይቱ በልዎ፣ እቲ
ነብሪ ድማ ነቶም ኣርዳእቲ መን ቀቲልዎ በሎም። ሓርማዝ እዩ ንወድኻ ቀቲልዎ ድማ በልዎ። ወዮ ነብሪ ካኣ ፣ ሓርማዝ'ሲ ንወደይ ኣይቀተሎን፣ ጤል እያ ንወደይ ዝቀተለቶ በሎም። እቶም ኣርዳእቲ ካኣ፣ ኣይፋል ሓርማዝ እዩ ንወድኻ ዝቀተሎ ደጊሞም ደጋጊሞም በልዎ። ኖ፣ ኖ፣ ብዘይካ ጤል ካልእ ዝቀቶሎ ሓደ የሎን በሎም፣ እዚ ግብሪ እዚ ናይ ጤል እዩ ኢሉ ከደ፣ ሐነ ወዱ ክፈዲ ኢሎ ኣጣል ቀተለ። ሽሕ እኳ ሓርማዝ ንወዱ ከም ዝቀተሎ እንዳ ፈለጠ፣ ሕነ ወዱ
ክፈዲ ኣብ ክንዲ ሓርማዝ ን ጤል ቀተለ።
ሓደ ሰብ ካብኡ ዝሕይል ሰብ እንተ በደሎ፣ ከምኡ ድማ ነቲ ዝበደሎ ሰብ ከሕምቆ ዓቕሚ ኣንተ ሰኣነ፣ ንኻልእ ካብኡ ዝሓምቕ እንተ በደለ ከምዚ ይብልዎ፣ ጤል እያ ከምዚ ገራ ይብሃል ወይ ድማ በትረይ ሃቡኒ ዘሕምቆ ኣሎኒ።
ብኣዋሎም በሪከታብ ናብ ትግርኛ ተተርጐመ