ዛንታ ኣንበሳን ዝብእን ውኻርያን
ሓደ ግዜ ሓደ ኣንበሳን ዝብእን ብሓንሳብ ይጓዓዙ ነበሩ፣ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ሓደ ብዕራይ ረኸበ፣
ዝብኢ ክኣ ላም
ረኸበት። ነቲ ብዕራይን ላምን ክኣ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ቦታ ገበርዎም፣ ዝብኢ ክኣ ይጓስዮም ነብረ። ወቕቲ ምውላድ ናይታ
ላም ምስ ቅረበ፣ ኣንበሳ ንዝብኢ ከምዚ በሎ፣ ሎሚ ንስኻ ኣብ ገዛ ወዓል ኣነ ክጓስዮም እየ በሎ። ዝብኢ ላሙ ክትወልድ
ከም ዝቀረበት ይፈልጥ ነብረ፣ ኣንበሳ ከይ ቀትሎ ፈሪሁ ግን ኣብ ገዛ ወዓለ። ኣንበሳ እንዳ ጓሰየን ከሎ ናይ ዝብኢ ላም
ወለደት። ኣንበሳ ነቲ ምራኽ ንዕዑ ክዎስዶ ደለየ፣ ነቲ ሽለት ናይ ላም ወሲዱ ክኣ ኣብ ምዓኮር ናይቲ ብዕራዩ የእተዎ፣
ዝብኢ ክጠቡ ከሎ ክይርእዮ ኢሉ ነቲ ምራኽ ካብታ ላም ክሳብ ዝጸግብ ከም ዝጠቡ ገበሮ። ምሸት ገዛ ምስ ተመልሰ፣
ኣንበሳ ንዝብኢ ብዕራየይ ወሊዱ፣ ርአ ኣቲ ሽለት ኣብ ምዓኮሩ ኣሎ በሎ። ዝብኢ ክኣ ብዕራይ ዶ ከም ላም ይወልድ እዩ
በሎ። ኣንበሳ ክኣ ቁጥዕ ኢሉ እወ ብዕራይ ይወልድ እዩ በሎ ክቀትሎ ዉን ሓሰበ። ዝብኢ ኣንበሳ ከይ ቀትሎ ፈሪሒ ኮፍ
ኢሉ ክበኪ ሓደረ። ንጽባሒቱ ኣንበሳ ነቲ ብዕራይን ነቲ ምራኻን ሒዙ ኸደ፣ ዝብኢ ክኣ ኣብ ገዛ ክበኪ ውዓለ፣ እንዳ
በኸየ ከሎ ውኻርያ መጾ፣ እንታይ ድኣ ኮንካ ኣያ ዝብኢ ትበኪ ዘሎኻ በሎ። ላመይ ወሊዳ፣ ኣንበሳ ክኣ ብዕራየይ እዩ
ወሊዱ ኢሉ ነቲ ምራኻይ ኣግዲፍኒ በሎ። ድሓን ድሓን ኣያ ዝብኢ ኣይትብከ፣ ጽባሕ ኣንበሳ ምራኽካ ከም ዝመልሰልካ
ክገብሮ እየ ኢልዎ ከደ። ንጽባሒቱ ዝብእን ኣንበሳን ብሓንሳብ ከለዉ፣ ውኻርያ ሓርቢ ተሰኪሙ ብጥቅኦም ሓለፈ። ኣንበሳ
ምስ ረኣዮ፣ ዉኻርያ ኣንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ። ውኻርያ ክኣ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፣ ትማሊ ኣቦይ ወዲ ወሊዱ፣ ገለ
ቁሩብ ጸባ ነቲ ሕጻን ዝኸዉን ክልምን ይኸይድ ኣሎኹ በሎ። ኣንበሳ ክኣ ብገርሁ ከሎ፣ ታባዕታይ'ዶ
ይወልድ እዩ በሎ።
ተባዕታይ ዘይወልድ ኣንተኾይኑ ብዕራይ ከመይ ጌሩ ይወልድ ኢሉ መለሰሉ። ኣንበሳ ዝል ኢሉ ክቀትሎ ደለያ፣ ውኻርያ
ግን ቅልጥፍ ኢሉ ሃዲሙ ከደ። ኣንበሳ ንውኻርያ ምእንቲ ክቀትሎ ኣብ ጉድጓድ ውኻርያ ተሓብአ፣ ምስ መሰየ ውኻርያ
ናብ ጉድጓዱ መጸ፣ ኣብ ኣፍደገ ናይ ገዝኡ ድማ ኣሰር ናይ ኣንበሳ ረኣየ፣ ኣንበሳ'ዶ ኣብ ጉድጓደይ
ተሓቢኢ ይህሉ ኢሉ
ሓሰበ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ጉድጓዱ ከይኑ ክኣ፣ ከመይ ኣምሲኺ ገዛይ በለ፣ ኣንበሳ ግን ኣስቀጠ፣ እንደገና ውኻርያ ከመይ
ኣምሲኺ ገዛይ በለ፣ እንታይ ድኣ ኴንኪ፣ ቀደም'ሲ ትምልስለይ ነርኪ በለ፣ ደሕን ዲኺ ሎሚ ምሸት።
ኣንበሳ ክኣ ይሰምዖ
ስለ ዝነበረ፣ ኣታ ጉድጓድ ናይ ብሓቂ ትምልሰሉ መሲልዎ፣ ድምጹ ቅይሩ፣ ሰናይ ምሸት ኢሉ መለሰሉ። ውኻርያ ክኣ ገዛይ
ናይ ብሓቂ ሎሚ ንስኺ እይኮንክን፣ እዚስ ድምጺ ኣንበሳ እዩ ኢሉ ሃደመ። ኣንበሳ ክቀትሎ ሓሰበ ግን ክረኽቦ ኣይከኣለን፣
ንገዝኡ ተመሊሱ ንዝብኢ ክኣ ምራኹ ሃቦ።
ሰባት` ክኣ ክሳብ ሕጂ፣ ሰብኣይ ዶ ይወልድ እዩ ይብሉ።
ብኣዋሎም በሪከታብ ናብ ትግርኛ ተተርጐመ