ዛንታ ሰብ ክልተ የእዱግ
Land: Eritrea
Kategorie: Schwank
ሓደ መዓልቲ ክልተ ሰብኡት ኣብ መንገዲ ተራኸቡ፣ ክልቲኣቶም ክኣ ሓሓደ ኣድጊ ነበሮም። እተም ክልተ ሰብኡት ሰላም
ክበሃሀሉ ኣብ መንገዲ ጽግዕ ኢሎም ጠጠው በሉ። እቶም የእዱግ ክኣ ኣፍ ንኣፍ ተዋሃሂቦም ይኽርኑፉ ነበሩ። እቲ ሓደ ሰባይ ድማ ነቲ ካልኣይ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ። ንሕና ሰላም ክንብሃሃል ጠጠው በልና፣ እዞም ይእዲግና ከ እንታይ ክብሉ እዮም ኣፍ ንኣፍ ተዋሃሂቦም ዘለዉ በሎ። እቲ ካልኣይ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፣ እንታይ ከም ዝበሃሃሉ ዘለዉ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኢሉ ሓተቶ። ኣይፋለይ ኣይፈልጥን እየ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ሰብኣይ ክኣ ከምዚ ኢሉ ነገሮ፣ ሓደ ግዜ የእዱግ ተሰማሚዖም፣ ሓደ ሓያል ኣድጊ ናብ ኣምላኽ ለኣኹ። እቲ እድጊ ጥርዓኖም ናብ ኣምላኽ ከቕርበሎም እሞ ካብ መግዛእቲ ናይ ጨካን ሰብ ሓራ መታን ክወጹ። ስለዚ እዮም ካኣ እዞም ክልተ የእዱግ ኣፍ ንኣፍ ተዋሂቦም፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝሰደድናዮ ኣድጊሲ ተመሊሱ ዶ ኢሎም ዝተሓታተቱ ዘለዉ በሎ።
ብኣዋሎም በሪከታብ ናብ ትግርኛ ተተርጐመ